Fana: At a Speed of Life!

ትኹረቱ ኣብ ፓን አፍሪካኒዝም ዝገበረ መድረኽ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ማእኸል ልህቀት ኣፍሪካን ዝተሰናደአን ኣብ ፓን አፍሪካኒዝም ትኹረት ዝገበረን መድረኽ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ብምርካብ መደረ ዝገበሩ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና፥ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ዕሸል ይኹን እምበር ኣብ ጉዳያ ኣፍሪካ ትኹረት ጉሩ እናሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ፓን አፍሪካኒዝም ትኹረት ዝገበሩ ፅሑፋት ከምዝተሓተሙ እውን ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፍሉጥ ፕሮፌሰር ሃኪም ዓሊ “ዳያስፖራ ኣፍሪካን ምዕባለ ኣፍሪካን” ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ፕሮፌሰር ሃኪም ኣብ ፅሑፎም፥ እንታይነትን ታሪኽን ፓን አፍሪካኒዝም ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣፍሪካውያን ዳያስፖራታት ንምዕባለ እታ ኣህጉር ዝህልዎም ግደ ዝነዓቕ ስለዘይኮነ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

መሰል መድረኻት ተጠናኺም ከምዝቕፅሉ ተሓቢሩ።

ብፍቅርተ ከበደ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.