Fana: At a Speed of Life!

ትኹረቱ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝገበረ ኣኼባ ኣብ ጂቡቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትሳተፈሉን ትኹረቱ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝገበረን ኣኼባ ኣብ ጂቡቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ ፕሬዝዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ዖማር ጊሌ ብዕሊ ከፊቶምዎ።

ብሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ÷ “ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምርምርን፤  ከምኡ እውን ንዘላቒ ምልማድን መገዲ ምፅዋርን” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ምህላዉ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.