Fana: At a Speed of Life!

ትካል ገባሪ ሰናይ ሰባት ንሰባት 12 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ገባሪ ሰናይ ሰባት ንሰባት ልዕሊ 12 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ምግባሩ ሃገር ለኸ ተፀዋዒ እቲ ትካል ይልማ ታየ ገሊፆም።

እቶም ሓገዛት ኣብ ወሎ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝተበርከቱ እንትኾኑ፥ ክዳውንቲ፣ እኽሊን መሐለዊ ፅሬትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣምባሳደር ትካል ገባሪ ሰናይ ሰባት ንሰባት ሻለቃ ኣትሌት ሀይሌ ገብረስላሴ፥ ንወገን ዝበፅሕ ወገን ስለዝኾነ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ንሕና እናሃለና ወገን ኣይጠሚን ዝበሉ ሻለቃ ኣትሌት ሃይለ፥ ሕዚ እውን ሓገዛት ክቕፅሉ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ ሰይፉ ሰይድ፥ ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ብከድር መሓመድን ሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.