Fana: At a Speed of Life!

ትካል ዑደት ጣሊያን መባፅሕቲ ቱሪዝም ኢትጵያ ንምፍላጥ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሮም መባፅሕቲ ቱሪዝም ኢትጵያ ንምፍላጥ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ፥ ምስ ከባቢያዊ ቢሮ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሮም ብምትሕብባር መስሕብ ስፍራታት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ዘተ ድማ ልዕሊ 12 ተወከልቲ ትካላት ዑደት ጣሊያን ከምዝተሳተፉ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መስሕባት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ታሪኻዊን ዘበናዊን መባፅሕቲ ቱሪዝም ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቕሚ ዝምልከተ ተገለፃ ተገይሩ።

እቶም ትካላት ዑደት ንኢትዮጵያ ኣብ ቱር ፓኬጃቶም ሓዊሶም ንኽሰርሑ ተሓቲቶም ኣወንታዊ መልሲ ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

በተጨማሪም የኢትዮጵያ አየር መንገድ ከአስጎብኚ ድርጅቶች ጋር አብሮ ለመስራት ያለውን ዝግጁነት እና የጎብኚዎችን የተሳለጠ ፍሰትን ለማገዝ እያደረገ ያለውን የለውጥ እንቅስቃሴ በተመለከተ ገለፃ ቀርቦ ውይይት ተደርጓል

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ዑደት ሓቢሩ ኣብ ምስራሕ ዘለዎ ድልዉነትን ዝተሳለጠ ፍሰት በፃሕቲ ዓዲ ንምሕጋዝን ይገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምልከት ገለፃ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ትካላት ብዙሕ ነገር ክፈልጡ ከምዝኸኣሉን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዕቤት እቲ ዓውዲ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ከምዘድንቑን ንቕድሚት ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝደልዩን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.