Fana: At a Speed of Life!

ትካል ስነ ህዝቢ ውሕመ (UNFPA) ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስነ ህዝቢ (UNFPA) ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

መተሓባበሪት UNFPA ጨንፈር ትግራይ ጆይሲ ፓክሊኪ÷ እቲ ትካል ኣብዚ ዓመት ውሽጢ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዳላር ዝዋግኡ ብንዋትን ገንዘብን ሓገዝ ከምዝገበረን እቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ ናይቲ ፕሮግራም መቐፀልታ ዝኾነ ልዕሊ 360 ሽሕ ዳላር ከምዝወደአን ገሊፀን።

ሎሚ ኣብ ዝተፈፀመ ርኽክብ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ 30 ዓይነት ንግልጋሎት መጥባሕቲ ዝውዕሉ ናውቲ ሕክምና ከምዝተረከበ ገሊፆም።

UNFPA ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዳግመ ስርሑ ብምጅማር ሓገዝ እናበረ ዝርከብ ትካል ብምዃኑ ኣመስጊኖም።

ስርዓት ጥዕና ትግራይ መሊኡ ናብ ንቡር ንኽምለስ÷ ዓለም ለኻዊ፣ ሃገራዊን ከባብያውን ለገስቲ ትካላት ሓገዝ ከምዝጠልብ ምግላፆም ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.