Fana: At a Speed of Life!

ትካል መድሕን ህፃናት 10 ሚልየን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መድሕን ህፃናት(save the children)10 ሚልየን ብር ዝግመት ናወቲ ሕክምናን ኣፋውስን ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ ።

ፊልድ ኦፊሰ ማነጀር እቲ ትካል ኣይተ ሃፍቶም በየነ፥ ሴቭ ዘችልድረን ኣብ ትግራይ በቲ ኲናት ዝበፅሐ ሃሰያ ናብ ንቡር ንምምላስ  ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ሰነ መዓዛ፣ ጥዕና፣ ማይን ትምህርትን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ሎሚ ኣካል ናይቲ እንገብሮ ደገፍ ዝኾነ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ኣበርኪትና ኣለና ኢሎም።

ኣብ መቐለ፣ ደቡባዊ ዞባ፣ ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ዝተፈላለዩ ደገፋት እናገበረን እናሰርሐን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እቲ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ብገንዘብ እንትትመን ከባቢ 10 ሚልየን ብር ከምዝኾን ዝገለፁ ኣይተ ሃፍቶም፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ማእኸለይ ዞባ ዝርከባ ወረዳታት ራማ፣ ኣሕሰኣ፣ ዓዴት ፣ ላዕላይ ማይጨውን ታሕታይ ማጨውን ዝውሃብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ዝተረኸቡ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ስምኦን ገብረፃዲቕ ብወገኖም፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብተን ወረዳታት ንዝርከባ 16  ጣብያታት ጥዕናን 3 መባእታዊ ሆስፒታላትን ዝውዕል ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ማእኸል ዝገበረ ደገፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብዝበለፀ ድማ ኣብ ግልጋሎት መጥባሕቲ  ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ሰርዓት ጥዕና ምጥንኻር፣ ተበፃሕነት ጥዕና ንኣዴታትን ህፃናትን ዝሕግዝ ከምዝኸውን እውን ዶ/ር ስምኦን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.