Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ድሕንነት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያትን ኣውዲታት ህንፀት ዓቕሚን ተሓባቢረነረ ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ድሕንነት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያትን ኣውዲታት ህንፀት ዓቕሚን ተሓባቢረነረ ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ቢሮ ውሽጣዊ ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ኣኮል ኩክ ኣብ ክልተኣዊ ሓበራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቲ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ንኤፍቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ትካላት ድሕንነት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያት ዝነበሮም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ተስማዕሚዖም።

ብፍላይ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፣ ግብረ ራዕዲን ኣብ ዶብ ከባቢ ዝረአዩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ዝምልከት ሓበሬታ ብምልውዋጥ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ትካላት ድሕንነት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንፀት ዓቕሚ እውን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕማዓ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ሰብ ሞያታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ስልጠና ንምውሳድ ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.