Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ውፅኢታዊነት ኢንቨስትመንት ኣብ ምድንፋዕ ትኹረት ብምግባር ንጭቡጥ ምዕባለ ክሰርሓ ይግባእ – ኣይተ ኣህመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ማእኸላይ ዘበን (2016-2018) ምስ በጀት 5ይ ዙር ፕሮግራም ኣጠዓዒምካ ምኻድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተሰናደአን ኣብ ምትግባር ዝርከብን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝተመዘገቡ ብዙሓትውፅኢታት የሃልዉ እምበር ብዙሓት ማሕለኻታት ንዕቤት ኢኮኖሚ ከምዝፈተኑዎ ተመልኪቱ፡፡

ተፈጥራዊን ሰው ስራሕ ፀገማት፣ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ናህሪ ዋጋ፣ ፅዕን ዕዳ፣ ኲናት ከምኡ እውንኲናት ሩሲያ ዩክሬን ኢኮኖሚ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝፈተኑዎ ፈተናታት ዝፅርሑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እዞም ማሕለኻታት ተፃዊሩ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዕቤት ከምዘርአየ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልማንት ፍፁም ኣሰፋ÷ መንግስቲ ፅዕንቶ እቶም ማሕለኻታት ንምንካይን ዕቤት ንምምዝጋብን ልዑል ተግባራት ከምዝሰርሐ ኣብሪሀን፡፡

ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ማእኸላይ ዘበን (2016-2018) ብሚኒስቴር ፕላንን ልማንት ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

እዚ ድማ ምስ ፋይናንስ ብምውዳድ ምስ በጀት 5ይ ዙር ፕሮግራም ኣተኣሳሲርካ ምስራሕን ነዚ ስርዓት ናይ ምጥንኻርን ተግባር እናተሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ትካላት ውፅኢታዊነት ኢንቨስትመንት መንግስቲ ኣብ ምድንፋዕ ትኹረት ብምግባር ንጭቡጥ ምዕባለ ክሰርሓ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣገንዚቦም።

ፕሮግራም 5ይ ዙር በጀት ምስ ትልሚን ፋይናንስን ከምኡ እውን ምስ በጀት መንግስቲ ብምትእስሳርን ስርዓት ብምህናፅን ምስራሕ ከምዘድሊ ምግንዛቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.