Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ – ኤመደኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላእቲ ኢትዮጵያን ህዝባን ተሓባበርቶም ካብ ውሽጢንፃኢን ኮይኖም ምህዳር ሳይቨር ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታትን መስመራት ሓበሬታን ቐጥታ መጥቃዕቲ ንምፍፃም እናገበሩዎ ዝርከቡ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ እናካየደቶ ምስ ትርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ከምኡ እውን ካልኦት ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ተተሓሒዞም ኣብ ምህዳር ሳይቨር እናተርኣዩ ዘለዉ ፈተነታት መጥቃዕቲ ምፍላጥን ምትሕስሳብን ከምዘድለየ እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ፡፡

እዞም እኩይ ዕላማ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም መሰረተ ልምዓታት መስመር ሓበሬታ ከምኡ እውን ሲስተማት ንኸመሓድሩ ኣብ ትካላት መሰል ዝተውሃቦም (ሲስተም አድሚኒስ) ንሞየኦም፣ ንትካሎምን ሃገሮምን እሙናት ዘይኮኑ ውሑዳት ባንዳታት ብምጥቃም ዕንቅፋት ንምፍጣር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ፡፡

ዝኾኑ ይኹኑ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፥ ሲስተማት ንኸመሓድሩ መሰል ዝተውሃቦም ወይ እውን ኣካውንታት ንኸመሓድሩ ናይ ይሕለፍ ቃል (ፓስወርድ) ክሕዙ ዝተፈቐደሎም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ወይ ድማ (ሲስተም ወይ ኔትወርክ ኣድሚንስ) ትኽክለኛ ብቕዓት ሞያን ጥቡቕ ምፅራይ ስነ-ምግባር ዝተገበረሎም ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ከረጋግፁ ከምዝግባእ ምግንዛቡ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.