Fana: At a Speed of Life!

ትካላት አሀወፅቲ ንካልኣት ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ሃገር ንምህዋፅ ምድላዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት አሀወፅቲ ንካልኣት ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ሃገሮም ንክፈልጡ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓላፍነቶም ንምውፃእ ምድላዎም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘቕረብዎ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ሃገሮምን ታሪኮምን ንክፈልጡ ንምግባር ትካላት አሀወፅቲ መድላዋቶም ከምዝዛዘሙ ተዛሪቦም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ወኪል ጉዕዞን አሀዋፅን ፕሌዤር ኢትዮጵያ ናሆም ኣድማሱ፥ ትካሎም እቶም ኣጋይሽ ኣብ ፃንሒቶም ሃገሮም ንክፈልጡ ዘኽእል ምድላው መግባሩ ገሊፆም።

ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣድላዪ ምቕናስ ዋጋ ብምግባር ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝተዳለወ እውን ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ቱርን ኢቨንትን ሰለቭሪቲ ኢትዮጵያ ኣሸናፊ ካሳ፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ መስሕባት ቱሪዝም ብምውሳድ ዘለዎም ታሪክ ክነርእዮም ኢና ኢሎም።

ብሰሎሞን ይታየው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.