ትካላት ምርምር ኣብ ዲፕሎማሲ ማይን ምርድዳእን ብምስራሕ ረብሓ ኢትዮጵያ ክሕልዉ ይግባእ – ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ምርምር ኣብ ዲፕሎማሲ ማይን ምርድዳእን ብምስራሕ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ግአዶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ጉዳይ ማይ፣ ዲፕሎማሲ ማይን ኮሙዩኒኬሽንን ዘድሀበ ፎረም መማኽርቲ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ፎሮም ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ሓዊሱ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ዩኒቨርሲቲታት፣ ሰብ ሞያ ተደራደርቲ ግድብ ህዳሰ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት፣ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን ካልኦት ኣካላትን ተሳቲፎም።
መበገሲ ዘተ ዝኾኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብቲ ፎረም ከምዝቐርቡ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ እቲ ፎረም ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኢትዮጵያ ንዘበናት ካብ ተፈጥሮ ፀጋታታ ከይትጥቀም ፅዕንቶ እናተገበረላ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ ሚኒስት ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ፥ “እዚ ድማ ኣብ ልምዓት ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ፀኒሑ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያውያን ነቲ ፅዕንቶ ብምምካት ብፍላይ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዘኹርዕ ተግባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ንዕውትነት እቲ ግድብ ርብርብ እናገበሩ ንዝርከቡ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ፅዕንቶ ዘሕድሩ ኣካላት ናይ ንምፍሻል ስራሕ ክቕፅል ከምዝግባእ ፀዊዖም።
ትካላት ምርምር ኣብ ዲፕሎማሲ ማይን ኮሙዩኒኬሽንን ብምስራሕ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ግአዶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣገንዚቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።