Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ሃይማኖት ንምርግጋፅ ሰላም ዘለዎም ግደ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ- ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ሃይማኖት ንምርግጋፅ ሰላም ዘለዎም ግደ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤን መድረኽ ኣፍልጦን “ፅቡቕ ንዝገበሩልና ነመስግን፤ ሰላምና ንሓሉ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ የኽብር ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ምእመናን ዘለዎም ተሰማዕነት ብምጥቃም ንምንጋስ ዘላቒ ሰላም ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን።

ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባር ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ሓቲተን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.