Fana: At a Speed of Life!

ትርጉም ሕብሪታት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ መበል 17 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ፡፡

ንምዃኑ ሕብሪታት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያን ኣብማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕዓማ ዝርከብ ኣርማ ትርጉሞም እንታይ ኢዩ?

  1. ሓምለዋይ ሕብሪ፡- ምልክት ስራሕ፣ ልምላመን ምዕባለን ኢዩ፡፡
  2. ብጫ፡- ምልክት ተስፋ፣ ፍትሒን ማዕርነት ኢዩ፡፡
  3. ቀይሕ ሕብሪ፦ ምልክት ናፅነትን ማዕርነት ንምዕሳልን ዝግበር መስዋእትነትን ጅግንነትን ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝርከብ ኣርማ ትርጉሙ ኣብታ ታሕቲ ዝቐረበ ከምዝኾነ ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመላኽት፡፡

  1. ክቢ ዝኾነ ሰማያዊ መደብ፦ ንሰላም ዘመላኽት ኢዩ፡፡
  2. ቀጥታን ማዕረ ዝኾኑ መስመራትን፡- ማዕርነት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ከምኡ እውን ማዕርነት ሃይማኖታት የመላኽት፡፡
  3. ቀጥታን ኣብ ማዕረ ዝኾኑ መስመራት ዝተዋደደ ኮኸብ፡- ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብምፍቕቓድ ዝመስረቱዎ ሓድነት የመላኽት፡፡
  4. ብጫ ጨረር፡- ኣብ ምፍቕቓድ ሓድነት ንዝመስረቱ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝበረቐ ጩራ ብሩህ ተስፋ ይሕብር፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.