Fana: At a Speed of Life!

ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ቢሊየን ብር ከስቢ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ቅድሚ ታክስ 9 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ከስቢ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኢትዮጵያ ሃብታሙ ሃይለ ሚካኤልን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካልን ኣብ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም።

ሓላፊ መምርሒ ቢዝነስን ዴቨሎፕመንትን ብርሃነ ገብረእግዚአብሔር፥እቲ ትካል ንግዲ ኣታውን ወፃኢን ኢትዮጵያ ኣብ ምስላጥ ግድኡ ይዋፃእ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዕለታዊ ሸቐጣት ሓዊሱ፥ ውፅኢታት ፋብሪካ፣ ኣናእሽቱን ገዘፍቲን ማሽነሪታት፣ ተሽከርከርቲ፣ እታዎታት ኮንስትራክሽንን ዝተፈላለዩ ፅዕነታትን ብትራንስፖርት ባሕሪን ምድሪን ብምጉዕዓዝ ዝተማልአ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ይህብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 3 ነጥቢ 9 ሚሊየን ቶን ኣገለግሎት ፅዕነት ንግዲ ኣታዊን ወፃኢን ከምዝተውሃበ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.