Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ዓወት ኣብ ዘመዝገብናሉ ትሕቲ ጎቦ ውቅን ሓዱሽ ዓመት ምኽባርና ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ-ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ዓወት ኣብ ዘመዝገብናሉ ትሕቲ ጎቦ ውቅን ሓዱሽ ዓመት ምኽባርና ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዠር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንምድሓን ኢዩ እንዋጋእ ዝበሉ እቶም ኢታማዦር ሹሙ፥ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብምውቃዕ ዳግም ንከይለዓል ንምግባር ምድላው ይዛዘመ አሎ ኢሎም።

ሐዚ ተወቒዑ ዝተዳኸመ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 30 ሺሕ ሚሊሻታት ኣዋፅኡ እናበለ ህዝቢ ትግራይ የሳቒ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሽንፋ፣ ኣልመሀል በዳር፣ ኣብ ማእኸል ድማ ፅንፈኛ ቅማንት ተጠቒሙ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ንምፍፃም ዝሞከረ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ዝደምሰስክሙሉ ፅባሕ ዝኽበር በዓል ሓዱሽ ዓመት ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ዓወት መዓልቲ እውን ኢዩ ኢሎም።

እዚ ዘኹርዕ ጀግንነት ንዝፈፀመ ምዕራብ እዚ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ባዕሉ ዝሃነፆ ሰራዊት ብድሕሪት ዝወግአ፣ ምስ ዓፋር ኣምሓራ ኢትዮጵያ ኤርትራ ዝተፃልአ ሓቢሩ ምንብር ዘይኽእል እኩይ ጉጅለ ብምዃን እዚ ፀላኢ ንምጥፋእን ህልውና ሃገር ንምርግጋፅን ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ምኽፋል ዘኹርዕ ኢዩ ምባሎም ኢቢሲ ዘጊቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.