Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ኩሎም ግንባራት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ናይ ዘሎ ጉጅለ ባህጊ ምኽሻፍ ተኻኢሉ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዘሎ ጉጅለ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣመልኪቶም ትማሊ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ ተስፋ ዝቖረፀን ከሓድን ጉጅለ ህወሓት ዘይተሓሰበ፣ ትፅቢት ዘይግበረሉን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ክሳራ ክበፅሕ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ንከየጋጥም መንግስቲ ልዑል ፃዕሪ እንተገበረ እውን ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ከንቱ ኣትሪፉዎ ኢዩ ኢሎም።

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይን ሚሊሻታትን ፍትሓዊ ኣብ ዘይኮነ ኲናት ንዘይምስታፍ ፃዕሪ ካብ ምግባሮም ብተወሳኺ ከሓዲ ጉጅለ ክሒዶም ናብ ቀረበኦም ክልል ብሰላም ምሕዋሶም ተዛሪቦም።

ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ሚሊሻታትን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ዝተሰንዘረ መጥቃዕቲ ብብቕዓት ምምካቶም ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ሑሙራ፣ ዳንሻን ቀራቅርን ኣብ ዝነበረ ኲናት ናይ ጀግንነት ተግባር ከምዝፈፀመ እውን ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ኩሎም ግንባራት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ዝገበሮም ፈተነታት ምኽሻፍ ከምዝተኽኣለ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.