Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 6 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ዓኒዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሽዱሽተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 6 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ምዕናዉ ኮሚሽን ባርዕ ሓዊን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ብዝተገበረ ልዑል ርብርብ ልዕሊ ብር 800 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ካብቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምትራፍ ከምዝተኸኣለ ገሊፁ።

መራሒ ጉጅለ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጉልላት ጌታነህ፥ ትማሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ሽዱሽተ ቦታታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ኢሎም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ላፍቶ ወረዳ 2 መቓብር ቦታ ከምኡ እውን ኣብ ወረዳ 2 ብልምዲ ቁፅሪ ክልተ ማዞሪያ ኣብ ዝበሃለ ቦታ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠሙ ተዛሪቦም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 4 ድማ ኣብ መንበሪ ኣባይቲን ደምበን፣ ከምኡ እውን ወረዳ 6 ከባቢ ኣዲሱ ሚካኤል እውን ኣጋጢሙ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ክፍለ ከተማ ኣብ ሓሙሽተ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከባቢ መስጊድ ጣፎ እውን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲን እንዳ መጥሓንን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ኣብሪሆም።

በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ቀሊል ጉድኣትን ኣብ ልዕሊ 68 እንስሳት እውን ጉድኣት በፂሑ ኢዩ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከባቢ ኣዲሱ ሚካኤል ዘጋጠመ ሓደጋ መበገሲኡ ኤሌክትሪክ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ጉልላት፥ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ዘጋጠሙ ሓደጋታት መበገሲኦም ብፖሊስ እናተፃረየ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.