Fana: At a Speed of Life!

ትሚሊ ዝተኸፈተ ዓውደ-ምርኢት ዲፕሎማሲ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሚሊ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም “ዲፕሎማሲና ንብሄራዊ ረብሓና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸፈተ ዓውደ-ምርኢት ዲፕሎማሲ ሎሚ መዓልቲ ብፓናል ዘተ ይቕፅል ኣሎ።

ኣብቲ ፓናል ዘተ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ፍሉጣት ዲፕሎማሰኛታት፣ ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ሚሲዮናት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምኡ እውን ምሁራን ታሪኽ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ኣብ ጉዕዞ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ዘድሀቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብፍሉጣት ኣምባሳደራትን ምሁራንን እናቐረቡ ሩርከቡ፡፡

እቲ ፓናል ዘተ ብመደረ ዝኸፈቱ በንግግር የከፈቱት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን÷ “ዓወትን ስምረትን ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብቕብብል ወለዶታት ኣብዚ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ በፂሑ ኣሎ” ኢሎም።

ኤምሬተስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕ/ር ባህሩ ዘውዴ፣ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ዶ/ር ኣብደታ ዲሪባን መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረቡ እንትኾኑ÷ ኣማኻሪ ሚኒስትር ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ድማ ነቲ መድረኽ መዛተዪ ብምዃን ይመርሑዎ ኣለዉ።

ብፍሬሕህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.