Fana: At a Speed of Life!

ትሕዝቶ መሬት ዝልቀቐሉ፣ ካሕሳ ዝኽፈለሉን ተለዓልቲ መሊሶም ዝጣየሹሉን ኩነታት ዝውስን ኣዋጅ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትሕዝቶ መሬት ዝልቀቐሉ፣ ካሕሳ ዝኽፈለሉን ተለዓልቲ መሊሶም ዝጣየሹሉን ኩነታት ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ መበል 34 ስሩዕ ኣኼባኡ÷ ንረብሓ ህዝቢ ብዝብል ትሕዝቶ መሬት ዝልቀቐሉ፣ ካሕሳ ዝኽፈለሉን ተለዓልቲ መሊሶም ዝጣየሹሉን ኣዋጅ ኢዩ ብኣርባዕተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ ዘሎ።

እቲ ኣዋጁ ትሕዝቶ መሬት ክለቁ ንዝተገበሩ ሰብትሕዝቶ ግቡእን ተመጣጣኒን ካሕሳን ንተለዓልቲ ሓገዝ ንምኽፋልን ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ፈሊኻ ንምውሳን ከምዝሕግዝ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መሰረተ ልምዓት ከተማን ትራንስፖርትን ገሊፁ፡፡

ከምኡ እውን ካሕሳ ንምትማን፣ ንምኽፋልን ተለዓልቲ መሊስካ ንምጥያሽን ስልጣንን ሓላፊነትን ዘለዎም ኣካላት ብግልፂ ፈሊኻ ንምውሳን ዘኽእል ስርዓት ዝዘርገሐ ኢዩ እውን ተባሂሉ፡፡

እቲ ባይቶ ኣብቲ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ነቲ ኣዋጅ ብኣርባዕተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ባንክ ስራሕ ብምርማር ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.