Fana: At a Speed of Life!

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንጅቡቲ መዘናኣ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ ዘካየደቶ መለክዒ ቁመና ፀወታ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ።

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ መለክዒ ቁመና ፀወታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ጅቡቲ መዘናኣ ኣካይዳ፡፡

ኣብቲ ፀወታ፤ ቸርነት መንግስቱ (2)፣ ናትናኤል ሰለሞን፣ ዳግም ኣወቀን ሰለሞን ገመቹን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ንመጋጥምታ 5 ን 0 ክትስዕር ከምዝኸኣለት ካብ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.