Fana: At a Speed of Life!

ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ናይ ዘሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ምንቅስቓስ ልምዓት መሰረት ዝገበረ ኢዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ናይ ዘሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ምንቅስቓስ ልምዓት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት መበል 11 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የካይድ ኣሎ።
እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽ እናሃቡ ይርከቡ።
ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበሎም ሕቶ፥ ኢትዮጵያ ሓንፂፃቶ ዘላ ትልሚ ልምዓት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ልምዓት መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ልዑል ፅዕንቶ ልቓሕ ኣለወን ካብ ዝበሃላ ሃገራት ትምደብ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ቅልጡፍ ምዕባለ ከይምዝገብ ማሕለኻ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።
እናተጓቱ ዝፀንሑ ፕሮጀክታት ብቕልጡፍ ክዛዘሙ ምግባር፣ ምምሕያሽ ክስፖርት፣ እቶት ምውሳኽ፣ ዕዳጋ ምርግጋእን ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ምምዝጋብን ብትኹረት ይስረሐሎም ኣሎ ኢሎም።
እቲ ትልሚ እንትሕንፀፅ ኮሮና ኣይነበረን፣ ሓደጋ ውሕጅ፣ ኣምበጣን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ጎንፂታት ኣብ ውሽጢ ግምት ዘእተወን ከምዘይነበረ፤ ይኹን እምበር እዚ ኣጋጢሙ እውን ኣወንታዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ገሊፆ።
ኣብ ዘሓለፈ ዓመት 6 ነጥቢ 1 ዕቤት ተመዝጊቡ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዚ ዓመት እውን ኣወንታዊ ዕቤት ከመዝግባ ኢየን ካብ ዝተብሃላ ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ።
እቲ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ዕቤት ሓፈሻዊ ዕቤት ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ሕድሕድ ሕብረተሰብ ክወርድ ዝኽእል ኢዩ።
ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ናይ ነብሲ ወከፍ እቶት ዝዓበየ ምዃኑ፣ ሰላም፣ ምቹው መሰረተ ልምዓት ከምዘድሊ ገሊፆም።
ኣብ ሸሞንተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ካብ ኤክስፖርት 21 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ገሊጾም።
መጠን ሃፍቲ ኢትዮጵያ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየ ከምዝኾነን መሰረተ ልምዓታት መንገዲ፣ ጥዕናን ኣቢያተ ትምህርቲን ብዕፅፊ ከዓቢ ከምዝተገበረን እወውን ተዛሪቦም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.