Fana: At a Speed of Life!

ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ሳይንስ ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ምስ ዕብየት ቴክኖሎጂ ብምልማድ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ሳይንስ ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስቴራት ዝተውጻእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ተረኸቡሉ ዓውደ መፅናዕቲ ፕሮግራም ኒውክሌር ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ህንፀት፣ እንታይነት፣ ኣድላይነትን ቀፀልቲ ተስፋታትን ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ከምኡ እውን ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር)÷ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ሳይንስ ንሰላማዊ ዕላማ ንምውዓል ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝፀደቐን ምስ መንግስቲ ሩሲያ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከምዝተፈረመን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ሳይንስ ኒውክሌር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንርከብ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ጥንኩር ዓውዲ ኒውክሌር ቴክኖሎጂ ንምምስራት ኩለመዳይ ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ እውን ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.