Fana: At a Speed of Life!

ታሽዓይ ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ተዘኪሩ ንኸውዕል ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ታሽዓይ ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ንተዘኪሩ ንኽውዕል ተወሲኑ።

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ሎሚ መዓልቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ታሽዓይ ዓመት ምንባር እምነ ሰረት ህንፀት እቲ ግድብ ኣብቲ ቦታ ከምዘይኸበር ኣሊጡ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ፥ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብስምዒት ሃገራ ሓድነት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብቲ ግድብ ንዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ከይልከፉ ግቡእ ክትትል ጥዕና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ህንፀት እቲ ግድብ ብኸልተ ፈረቓ እናተሳለጠ ከምዝርከብን ሓፈሻዊ ህንፀቱ ልዕሊ 72 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን እውን ገሊፆም።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንህንፀት እቲ ግድብ ዝተሰለዐ በጀትን ዝግበረሉ ትኹረትን ከምዘይንኪ እውን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ ኣገንዚቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ሕብረተሰብ ንግድብ ህዳሰ ዝገብሮ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንኸቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.