Fana: At a Speed of Life!

ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ንግዜኢ ከምዝገለፀኦ፥ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሎምን በቲ ሕማም ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዘይብሎምን እናሃለዉ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ይመፅእ ስለዘሎ ምዝንጋዕ ኣየድልን።

ሕብረተሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ትሑት ኢዩ ብምባል ይዘናጋዕ ኣሎ ኢለን።

ሳይንሳዊ ምርምራት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል ዘመላኽቱ ኢዮም ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ዝተፈላለዩ ኣካላት እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ መንግስቲ ከምዘድንቕ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.