Fana: At a Speed of Life!

ቲቦር ናዢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ መገዲታት ኣየር ሓደ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነበር ተተካኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ መገዲታት ኣየር ሓደን ናቶም ቀዳማይ ሕሪያን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩንቨርስቲ ኣቬሽን ንዘመረቖም 800 ተመረቕቲ ናይ እንኳዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዙሕ እዋን ዑደት ከምዝገበሩ ብምግላፅ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ መገዲታት ኣየር ሓደ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ መገዲ ኣየር ዘሎ ምርመር ክእለት ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ብዙሓት ስራሕቲ ምግፋሕ በረራ ክገብር ኢዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.