Fana: At a Speed of Life!

ቱርካውያን ኣምፃእቲ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ናብ ኢትዮጵያ ከቕርቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርካውያን ኣምፃእቲ ሓፂንን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ናብ ኢትዮጵያ ምስምዕመዖም ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ገሊ።

እቲ ኣቕርቦት÷ ካብ ኣሊጋስ፣ ኢዝሚርን እስክንድሪያን ዝተብሃላ ወደባት ቱርኪ ብምብጋስ ሓፂን ሓፂን ተንከፍ ኣቑሑትን ምስ ዘቕርቡ ኣምፃእቲ ሓፂንን ተወካሊኦም ኣርካስን ብዝተገበረ ስምምዕነት ዝትግበር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዋና መካየዲ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣይተ ሮባ መገርሳ፥ እቶም ኣቕረብቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ብትሑት ዋጋን ብወደባት ጂቡቲ ንምጉዕዓዝ ከምዝተሰናድኡ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ እኹል ፍርያት ሓፂን ምቕራብ ክሳብ ትኽእል ኣብ ሃገረ ቱርኪ ሓፂን ምስ ዘቕረርቡ ኣምፃእቲ ድሌት ውሽጢ ዓዲ ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ቀረብ ንኽህሉ ኣብ ምጉዕዓዝ ምቹው ኩነታት ክፍጠር ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናብ ወደባት ቱርኪ ናይ ባዕላ መራኽብ ብምውፋር ተበፃሕነት ኣገልግሎት ንምድንፋዕ እናሰርሐት ከምዝኾነት እውን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.