Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶታት ዕጡቕ ጉጅለ ኩርዲ መጥቃዕቲ ከምዘውረደት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከተማ ኣንካራ “ኣዋዲዶም ኢዮም” ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ትሕዝቶታት ዕጡቕ ጉጅለ ኩርዲ(ፒኬኬ)  መጥቃዕቲ ከምዘውረደት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ፒኬኬ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ኣብ ኢራቅን ሶሪያን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ 32 ተሕዝቶታት እቲ ጉጅለ ምዕናው ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኣንካራ ዝወረደ መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ከምዝፈፀሞ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ሓይሊታት ፀፅታ ቱርኪ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ኤሮስፔስ ኢንዱስትሪ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ 5 ሰባት እንትሞቱ ካልኦት 22 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኢዮም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.