Fana: At a Speed of Life!

ተፀዋዕነተን ንሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህረቲን ዝኾና ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ ብር 91 ሚሊየን ንፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣበርኪተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፀዋዕነተን ንሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህረቲን ዝኾና ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ ብር 91 ሚሊየን ንፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ኣበርኪተን።

እተን ዩኒቨርሲቲታት ካብዚ ብተወሳኺ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ሓገዝ ብር 14 ሚሊየን ገይረን ኣለዋ።

ካብ 10 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ እናተኻየደ ዝነበረ ኣብ ቅድመ ምድላው ምጅማር ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ገምጋም ኣፈፃፅማ ተግባር ምላሽ ለበዳ ቫይረስኮሮናን ተዛዚሙ።

ኣብቲ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ዩኒቨርሲቲታት ንፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ዝኸውን ብር 91 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብገንዘብ፣ ብር 24 ሚሊየን ብዓይነትን ብሞያን ከምኡ እውን ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ወወገናት ዝኸውን ብር 14 ነጥቢ 35 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብን ብር 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብዓይነትን ንምውፋይ ቃል ኣቲየን።

እዚ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን ኣብቲ ወፈያ ተሳትፎ ዝገበራ 32 ዩኒቨርሲቲታት ከምዝኾና ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ጎርጎራ፣ ወንጪን ኮይሻን ብምልማዕ መባፅቲ ቱሪዝም ንምግባር ዝዓለመ ፕሮጀክት ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.