Fana: At a Speed of Life!

ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ልኡኽትኡ ንኽዋፃእ ብመንፅር ፋይናንስን ሓይሊ ሰብን ኣባል ሃገራት ዋጋ ከፊለን ኢየን – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ትፅቢት ዝግበረሉ ልኡኽቶ ንኽዋፃእ ብመንፅር ፋይናንስን ሓይሊ ሰብን ኣባል ሃገራት ዋጋ ከምዝኸፈላ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ኣኼባ ኢታማዡር ሹማትን ኣካላት ሓንፀፅቲ ፖሊሲን ኣባል ሃገራት ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር÷ “ኣብ ኣፍሪካ ብዙሓት ፀገማት እናጋጠሙ ከምዝኾኑ ብምሕባር ፀገም ሓንቲ ሃገር ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ፀገም ስለዝኾነ ብምትሕብባር ምስራሕ ወሳኒ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብግደኦም÷ ግብረ ራዕዲ፣ ዘይሕገ-መንግስታዊ ዝኾነ ለውጢ መንግስታትን ዶብ ዘለለ ገበናትን ኣብ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ እናጋጠሙ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እቲ ኣኼባ እዚኦምን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእሉ ተግባራዊ መፍትሒ ሓሳባት ከምዘቕርብ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ኣዛዚ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራው÷ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኩለመዳያዊ ቁመናን ቅርፂን እቲ ትካል ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ሓሳባት ከምዝቐረቡ ገሊፆም።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኣኼባ÷ ንኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እቲ ትካል ዘኽእሉ ውሳነታት ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.