Fana: At a Speed of Life!

ተግባር ምጭዋይ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኹንኑ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ዝተፈፀመ ተግባር ምጭዋይ ተምሃሮ ዝኹንኑ ሰላማዊ ሰልፊታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተኻይዶም።

እቶም ሰላማዊ ሰልፊታት፥ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እናተምሃራ ዝነበራ ተምሃሮ ምጭዋየን ብዝምልከት መንግስቲ ንፁር ሓበሬታ ንኽህብን ኣብ ልዕሊ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ንኽረጋገፅን ዝሓትቱ ኢዮም።

ምጭዋይ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፥ ሰብኣዊነት ዝጎደሎን ካብ ኢትዮጵያዊነት እሴት ዝወፅአን ተግባር ኢዩ ክብሉ እቶም ተሳተፍቲ ኮኒኖምዎ።

እቶም ሰላማዊ ሰልፊታት፥ ኣብ ከተማታት ባህር ዳር፣ ደብረማርቆስ፣ ወልዲያ፣ ቆቦ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ዱር ቤቴ፣ ዳንግላ፣ ደብረ ብርሃን፣ ፍኖተሰላምን ካልኦት ከባቢታትን ተኻይዶም።

ፍልፍል፦ ኤመሓኣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.