Fana: At a Speed of Life!

ተዓዋቲ ኦስካር ቶም ሃንክስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተዓዋቲ ኦስካር ተዋሳኢ ቶም ሃንክስን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ተመርሚሮም ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ተዛሪቦም።

ሃንክስ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ከም’ዚ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ድኻም ይስመዐና ነይሩ፤ ገለ ቑርጥማት እውን ነይሩና። ሪታ ድማ ቑሪ ቑሪ የብላ ነይሩ። ንእሽቶ ረስኒ እውን ነይሩ” ኢሉ።

ቶም ሃንክስ፥ እቶም መፃምዲ ምልክታት ቑሪ ምስ ተሰምዖም ክሕከሙ ናብ ሆስፒታል ምስ ኸዱ ሕሙማት ኮቪድ-19 ምዃኖም ከም ዝፈለጡ ኣብ ኢንስተግራም ፅሒፉ።

ብምኽንያት እዚ ንነብሶም ኣብ ገዛ ዓፅዮም ከም ዝተቐመጡ ብምግላፅ፥ ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ቶም ሃንክስ፥ ታሪኽ ህይወት “ኤልቪስ ፕሪስሊ” ንክሰርሕ’ዩ ናብ ኣውስትሪያላዊት ጎልድ ኮስት ምስ በዓልቲ ቤቱ ከይዱ ተባሂሉ።

‘ፎረስት ጋምፕ’ን ‘ፕራይቬት ርያን’ ብዝብሉ ፊልምታት ዝፍለጥ ቶም ሃንክስ ተዓዋቲ ሽልማት ኣካዳሚ ኣዋርድ’ዩ።

በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰን’ውን ድምጻዊትን ተዋሳኢትን እያ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.