Fana: At a Speed of Life!

ተወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓሳባት ኣጀንዳ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ መዓልቲ ዘቑፀረን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተሓባብሮ ዘሎን ምዕራፍ ልዝብ ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

ካብ ትማሊ 21 ገንቦት 2016 ዓ.ም ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ተሳተፍቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ብጉጅለ ብምዃን ካብ ዝወከልዎ ማሕበረሰብ ብሓደራ ዘምፅእዎም ሓሳባት ኣጀንዳ ዘተ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብቲ ከይዲ ክፋላት ሕብረተሰብ ናትና ዝብልዎን ዝተስማዕምዑሉን ሓሳብ ኣጀንዳ ብምዝዛም ነቲ ኮሚሽን ብቃለ ጉባኤ ከቲሞም ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዞም ሓሳባት ኣጀንዳ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣብ ዝህልዉ መድረኻት ብተወከልቶም ኣቢሎም ዝወሃቡ ክህልዉ ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝህሉ መርሃ ግብሪታት ተሳተፍቲ ኣብ ዝቕፅሉ ምዕራፋት ዘተ ዝውክልዎም 121 ተወከልቲ ብምምራፅ ንዝቕፅሉ ምዕራፋት ዘተ ክዳለዉ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.