Fana: At a Speed of Life!

ተወሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ዘይሕጋዊን መትከል ኣልቦን ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ይግባእ-ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወሳእቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ዘይሕጋዊን መትከል ኣልቦን ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ይግባእ ክብል ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መበገሲን መዛዘሚን ናይ ኩሎም ቅዋማትን ተግባራትን ኢትዮጵያ ህልውና፣ ልዕልነት፣ ምዕባለን ሰላም  ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ኣብዚ ሰረት ብምዃን ንመላእ ሀዝብታት ሃገርና ናይ ሓባር ደጀን፣ ዋልታ፣ ቅልፅምን ዝኾነ ሃገራዊ ሰራዊት ንምህናፅ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ፃዕሪታት እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።

ንኣብነት ኣብ እዋን ጎስጔስ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መርጫ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ መሊስካ ከምዝውደብ ቅዋሙ ንህዝቢ ግልፂ ከምዝገበረ እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት መሊስካ ናይ ምውዳብ ምንቅስቓስ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ኣጣሚሞም ከምዝትርጉምዎ ዘለዉ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ብብዙሕ መፅናዕቲ፣ ብዓምዩቕ ዘተ፣ ብዝሰኸነ ምርድዳእን ብናይ ሓባር ምርድዳእን ዝተወሰነ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ስለዝኾነ እቲ ውሳነ ባህጊ ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታው ዝትግበር ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ሰረት ሰለዎ ከምዝኾነ ምርዳእ ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ።

እዚ ምዃኑ እናተፈለጠ ውሱናት ፓርቲታት ፖለቲካን መራሕቶምን ከምኡውን ነጠፍቲ ማሕባዊ ሚዲያ ኢና ዝብሉ ውልቀ ሰባት ነቲ ጉዳይ ሓንቲ ክልል ጥራሕ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ጉዳይ ብምግባር ንምግላፅ ዝጥቀሙሎም “ምቕሃም፣ ምዕፃፍ፣ ምፍራስ፣ ምብታን …” ወዘተ ዝብሉ ኣገላልፃታት ፍልፍል ዘይብሎም ኢዮም ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ርካሽ መኽሰብ ፖለቲካ ንምርካብን ሀዝቢ ንምስሕሓትን ብምፍታን ጊዚያዊ ተቀባልነት ንምርካብ ፃዕሪ ናይ ምግባር ባህጊ ከምዝኾነ ብቐሊሉ ዝርዳእ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሃገር ዋጋ ካብ ዘኽፍል ዘይሕጋዊን መትከል ኣልቦን ምንቅስቓስ ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.