Fana: At a Speed of Life!

ተናሓናሕቲ ውድባት እስራኤል ሓዱሽ መንግስቲ ንምጥያሽ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ፓርቲ ሺ ኣቲድ ያይር ላፒድ ሸሞንተ ፓርቲታት ዘካተተ ጥሙር መንግስቲ ንምጥያሽ ምስምዕመዖን ዕላዊ ገይሮም፡፡

እቶም ርቲታት ብዙር ንምምሕዳር ዝተስማዕምዑ እንትኾኑ፥ መራሒ ፓርቲ ያሚና ናፍታሊ ቤኔት ንፈለማ ቀዳማይ ሚኒስትር ክኾኑ ኢዮም ታበሂሉ፡፡

እቲ ናይ ሕዚ ስምምዕነት ናይ ነዊሕ እዋን ዕድመ ስልጣን ቤንያሚን ኔታኒያሁ ንኸብቅዕ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ፓርቲታት ኣብ ዝምስርቱዎ መንግስቲ ቃል ማሕላ ቅድሚ ምፍፃ ግን ብፓርላማ እታ ሃገር ተቐባልነት ክረክብ ከምዝግበኦ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት እስራኤል ሬውቨን ሬቭሊንም፥ መተኣማመኒ ድምፂ እቲ ፓርላማ ብዝምልከት ውሳነ ንምምሕልላፍ ኣኼባ ንኸካይድ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ሕብረት 120 መቐመጢ ኣብ ዘለዉሉ ክኔሴት (ፓርላማ እስራኤል) ኣብዝሓ ድምፂ እንተዘይረኺቡ፥ ኣብ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንሓምሻይ ግዘ መረፃ ክካየድ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታኒያሁ ብግደኦም፥ እቲ ምጥያሽ መንግስቲ “ዝዓበየ ምጭብርባር እዚ ክፍለ ዘበን ኢዩ” ኢሎምዎ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.