Fana: At a Speed of Life!

ተተኮስቲ ጠያይቲ ሓቢኡ ንምሕላፍ ዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ኖኖ ተተኮስቲ ጠያይቲ ሓቢኡ ንምሕላፍ ዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዘሎ ኮድ ቁፅሪ 3 -6189 ኣ.ኣ ብዝኾነት ኣይሱዙ ናይ ፅዕነት ተሸከርካሪት 404 ተተኮስቲ ጠያይቲ ኣብ ውሽጢ ሕሩጭ ሓቢኡ ኣብታ ወረዳ ከባቢ መዞሪ ከተማ ዲሬ ጉዶ ምስ በፅሐ ከምዝኾነ ካላፊ ፖሊስ እታ ወረዳ ኮማንደር ቶሎሳ መልካ ገሊፆም።

እቶም ተተኮስቲ ጠያይቲ ንሓይሊታት ፀረ ሰላም ንምትሕልላፍ ኢዩ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኮማንደር ቶሎሳ፥ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሐንነትን ብዝገበሮ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ውልቀሰብ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝኾነ ኣብሪም።

ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ አእቲ ናይ ሕዚ እንተይሓወሰ 862 ተተኮስቲ ጠያይቲ ከምዝተትሓዙ ምግላፆ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.