ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ገለፃ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ምስ ሚኒስቴር ማይ ፣ መስኖን ኢነርጅን ብምትሕብባር መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ገለፃ ገይሮም።
እቲ ገለፃ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ኢንጂነር ጌዲዮን ኣስፋውን ኣቢሉ ኢዩ ተዋሂቡ።
ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መብርሂ፥ ከይዲ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብቲ ግድብ ኣድሂቦም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን እናተኻየዱ ዝነበሩ ዘተታትን ዝርከቡሉ ብርኪን ብዝምልከት እቶም ኣምባሳደራት እዋናዊ ሓበሬታ ንኽህልዎም ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሙሉእ ሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ምዃኑን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ፣ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ፣ ምብራቕኣፍካ፣ ኢሉ እውን ንኣህጉር ኣፍሪካ ዝህልዎ ረብሓን ብዝምልከት ገለፃ ተገይሩ ኢዩ።
ብተወሳኺ እቲ ግድብ፥ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ብፍትሓዊነትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ርኡይ ጉድኣት ብዘየብፅሕ መልክዑ እተሃንፆ ዘላ ፕሮጀክት ምዃኑ እውን ኣብቲ ገለፃ ተላዒሉ።
ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን ብዙሓት ዘተታት ምግባረንን ዝነበሩ ኣፈላላያት ብልዝብ እናፈትሓ ኣብዚ ደረጃ ምብፀሕን፤ ኣብ ቀፃሊ ዝህልዉ ኣፈላላያት እውን ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ዝግበሩ ተመሳሰልቲ ዘተታት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ምዃናን ተገሊፁ።
ምስ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሰሙን ብውድብ ሕቡራት ንግሳታትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኣቢሎም ዝወፅኡ መግለፂታት ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።
እቶም ኣምባሳደራት ድሕሪ እቲ ገለፃ ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዘተ ብዛዕባ ምምላሰን፣ ኣብ ቀፃሊ ዝገብረኦ ዘተን ድርድርን ግደ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን እንታይ ክመስል ከምዝግበኦ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኢዩ።
ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana