Fana: At a Speed of Life!

ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኤሲያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ የካቲት 6፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኤሲያ ኣብ እዋናዊን ቀጠናዊን ኩነታት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ሱዳን፣ ህናፀትን ድርድርን ህዳሰ ግድብ፣ ምትካል እግርን ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍን ክልል ትግራይ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ንምኽባር ልዕልነት ሕጊን ሰላም ህዝብን ሃገርን ንምሕላውን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ህወሓት ዘዕነዎም መሰረተ ልምዓታት ፀጊንካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተፃራሪ ዝንዝሑ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳታት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ብግደኦም፥ እቲ ዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

ኣብ ትግራይ ንዝግበር ደገፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ንምስራሕ ዘለዎም ቁርፀኝነት ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.