ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር ) ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ዝተመዛበሉ ወገናት ስራሕቲ ምጥያሽ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣተሓሳሲቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)÷ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋፀመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ዝተመዛበሉ ወገናት ስራሕቲ ምጥያሽ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኣብ ወረዳ ቡርዳ ተረኺቦም በቲ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣብ ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ዝስርሑ ዘለዉ ተግባራት ዑደት ገይሮም፡፡
ተመዛበልቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዝተወገኑ ተግባራት ዉፅኢታዊ ምዃኖም ብምግላፅ÷
ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡
መገዲ፣ መብራህቲን ካልኦት ሕቶታት መሰረተ ልምዓትን ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶ ክፍሊ ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ ምግላፆም ኣብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ማሕበረሰብ ዝካየዱ ማሕበራዊን ስነ ልቦናዊን ደገፋት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም፡፡