ተረባሕነት ኢንሹራንስ እንስሳት ሰበኽ ሳግም ክብ ምባል ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተረባሕነት ኢንሹራንስ እንስሳት ሰበኽ ሳግም ንምዕባይ ጠመተ ተዋሂቡዎ ክስራሕ ይግባእ ክብል ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
ኣተሓባባሪ ብሄራዊ ምምሕያሽ ፕሮጀክት እታዎት ኢኮኖሚ ምንካይን ሓቓፊን ስግኣት ሓደጋ ሰበኽ ሳግም እቲ ሚኒስቴር ጀማል ኣልዬ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ተዛሚዱ ሰበኽ ሳግም እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ብሓደጋ ድርቂ ከምዘጋጥሞም ኣብሪሆም።
በዚ ድማ እቶም ሰበኽ ሳግም እንስስኦም ናብ ፀገም ክሳጥሑ ምርኣዮም ገሊፆም፡፡
ስለዝኾነ እቶም ሰበኽ ሳግም ተረባሕቲ ኢንሹራንስ እንስሳት ንክኾኑ ስራሓቲታት ግንዛብ ብስፍሓት ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ግልጋሎት ሰበኽ ሳግም ሃፍቶም ናብ ስርዓት ባንኪ ብምእታዉ ተረባሕቲ ንክኾኑን ውሕስና ብዝበለፀ ንምዕባይ ከምዘኽእል ኣረዲኦም፡፡