Fana: At a Speed of Life!

ተምሃሮ 11ን 12ን ክፊሊ ትምህርቲ ሞያ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተምሃሮ 11ን 12ን ክፊሊ ብስሩዕ ካብ ዝወሃቦም ትምህርቲ ጎድና ጎድኒ፤ ትምህርቲ ሞያ መምሃብ ከምዝጅመር ሚኒስትር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ተግባር ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ሞያ መሰረት ዘይገበረ ስለዝኾነ፥ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምስዛዘሙ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክኣትዉ እንተዘይክኢሎም ተወሳኺ ሞያ እንተይሓዙ ይተርፉ ነይሮም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ከምዝጅምር ዝገለፀ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ተምሮ ሰብ ዋና ሙያ ንኽኾኑ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስርዓተ ትምህርቲ ተምሃሮ ናብ 11 ክፍሊ እንትኣትዉ ናብ ማሕበራዊን ተፈጥሮን ሳይንስ ምስተመደቡ፤ ሓደ ትምህርቲ ሞያ መሪፆም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ኮርስታት ንኽመሃሩ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኣብ ትሕቲ ትምህርቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ሓሙሽተ ትምህርቲ ሞያ ዝወሃቡ እንትኾኑ፥ እዚኣቶም ድማ ህንፀት፣ ምፍራይ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ጥዕናን ሕርሻን ኢዮም።

ኣብ ጥሕቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ድማ፥ ማሕበራዊ ሳይንስን ቋንቋን፣ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን ከምኡ እውን ትምህርቲ ስነ-ጥበብን ዝበሉ ዘፈራት ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝወሃብ ትምህርቲ ሞያ፥ ተምሃሮ ንኣርባዕተ መንፈቕ ዓመት ምስ ወሰዱ ጀመርቲ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ኮይኖም ክምረቑ ኢዮም።

ኣብዚ ዓመት 12 ክፍሊ ዝዛዝሙ ተምሃሮ ትምህርቲ ንድፊ ሓሳብ ብመሃብ ኣብ እዋን ክረምቲን ኣብ ዝቕፅል ዓመትን ናይ ተግባር ትምህርቲ ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ሰርዓተ ትምህርቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ 2014 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.