Fana: At a Speed of Life!

ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ ቃላይ ሃረማያ ፅሬት ኣከካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ ቃላይ ሃረማያ ፅሬት ኣከካይዶም።

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ ዘሰናደኦ ወፍሪ ፅሬት ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እታ ከተማ ተሳቲፎም።

ስራሕቲ ምክንኻን እቲ ቃላይ እዋን ሓሊኻ ጥራሕ ክኸውን ከምዘይብሉ ዝገለፁ እቶም ተመረቕቲ ተምሃሮ፥ ወፍሪ ፅሬት ዘላቒ ንኽኸውን ኩሎም ኣካላት ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቱ ብዘሳተፈ መልክዑ ክስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ፕሬዝዳንት ሕብረት ተምሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ተምሃራይ ኣሚር ኣብዱልኣማን ብግድኡ፥ ቃላይ ሃረማያ ምክንኻን ንፅባሕ ዘይበሃል ተግባር ኢዩ ኢሉ።

ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ቃላይ ብዘላቕነት ንምፅናሕ ብዝግበር ፃዕሪ እናበርከቱዎ ዝርከቡ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር ተሳትፎኦም ተጠናኺ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.