Fana: At a Speed of Life!

ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ህወሓት ኢኮኖሚ ሃገር ንምርባሽ ዘይሕጋዊ ተግባራት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ህወሓት ናይ ሕሶት ገንዘብ ብምክፍፋልን ህዝቢ ተጎዳእቲ ንምግባርን ኢኮኖሚ ሃገር ንምርባሽ ዘይሕጋዊ ተግባራት እናሰርሑ ምዃኖም ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ እዚ ሰሜን ኮሎኔል ካሳ መላኩ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ብዝገበሩዎ ክትትል፥ ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ገንዘብ እናሓተሙ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ ከምዝበሉዎ፥ እቶም ዘይሕጋውያን ልዕሊ ብር 570 ሺሕ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ብር ብምሕታም ናብ ሕብረተሰብ ንምዝርጋሕ እንተዳልዉ ኢዮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዘለዉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተለኣኣኽቲ ጉጅለ ህወሓት ናብ ዝለመዱዎ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋፊሮም ኢዮም ዝበሉ ኮሎኔል ካሳ መላኩ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ዘይሕጋዊ ገንዘብ ካብ ምሕታም ብተወሳኺ ናይ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት ማሕተም ከምዝተረኸቦም ተዛሪቦም፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ናብ ሑመራ፣ ናብ ዶብ ከባቢን ካልኦት ከባቢታትን ስለዘከፋፈሉ ሕብረተሰብ ልውጥ ገንዘብ እንትገብር ወይ ድማ እንትተዓዳደግ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.