Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትሕቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘለዉ ዝተወሰኑ መምርሒታት ምምሕያሽ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትሕቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘለዉ ዝተወሰኑ መምርሒታት ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምምሕያሽ ከምዘተገበረ ገሊፀን።

ብመሰረት እቲ መመሓየሺ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣድላዪ ጥንቓቐ ብምግባር ብስነ-ስርዓት እቲ ማሕበረሰብ ንኽፍፀም ተፈቒዱ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ውፅኢት ምርመራ ኣስከሬን ቅድሚ ምምፅኡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ምፍፃም ኣይከኣልን ዝብል መምርሒ ክመሓየሽ ከምዝተገበረ ዶክተር ሊያ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ቅድሚ ሕዚ ዝተቐመጠ 50 ሰባት ጥራሕ ክርከቡ ዝብል መምርሒ ኣይተመሓየሸን።

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ሰባት ብዝምልከት ናብ ሃገር እንትኣተዉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ካብቲ ዝመፅኡሉ ዓዲ ተመርሚሮም ናፃ ምዃኖም ዘርኢ ሓበሬታ ሒዞም ዝመፅኡ እንተኾይኖም፥ ጥማዕ ደም ብምውሳድ ኣብ ገዝኦም ን14 መዓልቲ ክፀንሑ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ካፍቲ ሕማም ናፃ ምዃኖም ዘረጋግፅ ሓበሬታ ሒዞም ዘይመፅኡ መንገደኛታት ጥማዕ ደም ተወሲዱ ንሸውዓተ መዓልቲታት ጥራሕ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ንኸኣትዉ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ን14 መዓልቲታት ዝነበረ ኣገዳዲ ፈሊኻ መፅንሒ ናብ 7 መዓልቲታት ጥራሕ ንኽወርድ ከምዝተወሰነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.