Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ብምዃኖም እተን ትካላት ብምዕፃው እቶም ተምሃሮ ድማ ነናብ ስድራ ቤቶም ክምለሱ ምግባር፥ እቲ ቫይረስ ከይስፋሕፋሕ እናተወሰዱ ካብ ዝርከቡ ጥንቃቐታት እንትረአ ካብ ረብሑኡ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ምኽንያቱ ድማ እቶም ተምሃሮ ናናብ ዝመፅኡሉ ከባቢ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣብ ጉዕዞኦም በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድሎም ልዑል ክኸውን ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ስለዝእመን ኢዩ ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ኣብዘለዉሉ ኮይኖም ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትጵያን ዝህቡዎ መምርሒታት ተኸቲሎም ጥንቃቐ ብምግባር ብመማህራኖም ዝወሃቡ ፅሑፋት እናንበቡ ንክልተ ሶሙን ንኽፀንሑ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ።

ኣብተን ላዕለዎት ትካላት ትምህቲ ድማ፦

1. ንተምሃሮ ኣድላዪ ክትትል ክግበር ኣለዎ፤

2. ፊት ንፊትን ኣብ ክፍሊን ዝወሃብ ትምህርቲ ክቐሪ ብምግባር ንተምሃሮ ዝተዳለዉ መምሃሪ ፅሑፋት፣ ተውኽቲ መፃሕፍቲ፣ ቅዳሓት መፃሕፍቲን ብኢንተርኔት ዝቐርቡ ፅሑፋትን ብእኹል ብርኪ ብምቕራብን ካልኦት ሜላታትን ብምጥቃም ብውልቆም/ኣብ መደቀሲ ክፍሎም/ ኮይኖም ንኸንብቡ፣ መምህራን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስረሖም ብኢሜይልን ብዝተፈላለዩ ሜላታትን ክቕፅሉ ምግባር፣ እዚ ባኣግባቢ ኣብ ስራሕ እናወዓለ ምዃኑ ድማ በቢብርኩን ብተዋረድን ክትትል ምግባር፤

3. ተምሃሮ ኢዶም ብተደጋጋሚ ብፅሩይ ማይን ሳሙናን ብምሕፃብ ፅሬቶም ክሕልዉ ንምግባር፥ እተን ትካላት ብህፁፅ ቀረብ ሳሙና፣ ሳኒታይዘርን ኣልኮልን ብምግዛእ ተበፃሕቲ ንኽገብሩን ከከፋፍሉን ምግባር፤

4. ኣብ ኣቢያተ መፃሕፍቲን ኣብ መመገቢ ኣዳራሻትን ምንኽኻእ ከይህሉ ንምግባር፣ ኮፍ መበሊ ወምበራት ዝተረሓሓቑ ምግባርን ምጭንናቕ ከይህሉን ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ሰዓት ምንዋሕ፤

5. ኮንፈረንሳት፣ ዓውደ መፅናዕቲን ኣኼባታትን ከይህልዉ ምግባር፣ ቅድም ኢሎም ዝተተለሙ እንተሃሊዮም ክቋረፁ ምግባር፣ ናይ ግድን ዝኾኑ ኣኼባታት እንተጋጥሙ ድማ ምቅርራብን ምንኽኻእን ከይህሉ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኩነታት ምክያድን ካልኦት ኣማራፂታትን ብምጥቃም ምክያድ፤

6. ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ግንዛበ ክፈጥሩ ዝኽእሉ መልእኽቲታት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክባፃሕ ምግባር፤

7. ኣብ ሕድሕድ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስ ቫይረስ ኮሮና ዝተትሓሓዙ ጉዳያት ዝከታተተል ሓደ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ክትትል ምግባር፣ ናይቲ ቫይረስ ምልክት ዝተርኣየሎም ተምሃሮ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ቁፅሪ ስልኪታት ኣብተን ትካላት ብምድላው ሓበሬታ ዝቕበሉን ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ፀብፃብ ዘቕርቡን ክህልዉ ምግባር፤

ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፥ ካብ 8 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ንዝቕፅሉ ክልተ ሳምንታት ወይ ድማ ካሊእ ኣንፈት ክሳብ ዝወሃብ፤ ካብ ታራ ቁፅሪ 1 ክሳብ 7 ዝተፀርሑ ነጥቢታት ተግባራዊ ንኽገብራ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ኣተሓሳሲበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.