Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ናብ ትግራይ ከይኣቱ እኹል ምክልኻል እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ጀሚሩ ናብ ዝቸፈላለያ ሃገራት ዓለም እናተዛመተ ዝርከብ ቫይረስ ኮሮና ናብ ክልል ትግራይ ንከይኣቱ እኹል ምክልኻል እናተገበረ ምዃኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ከም ዝበልዎ፥ ቫይረስ ኮሮና ብብርኪ ብዓለም ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ ንከይረአ ሰፊሕ ቅድመ ምድላ እናተገበረ ከምዝኾነ ኢዩ።

እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ብብርኪ ክልል ጉጅለ ሓይሊ ከምዝተጣየሸት እውን ገሊፆም።

እታ ጉጅለ፥ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ምርምር ጥዕና ትግራይን ተዉፃእፂኦም ዝተጣየሸት ከምዝኾነትን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ምድላዋት ምድላዋት ምዝዛማን እቲ ቢሮ ኣብሪሁ።

ዝተፈላለዩ ዜጋታት ናብ ክልል ትግራይ ክመፁ ከለዉ ሕክምና ንምክያድ ዘኽእል እኹል ምድላዉ ተገይሩ እዩ ኢሎም ዶክተር ርእየ።

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ውሽጢ ሕማማት ዶክተር ብስራት ተስፋይ ብግደአን፥ እቲ ኣብ ቻይና ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካፍቶም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሕማማት ፍልይ ዘብሎ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ክፍለጥ ምክኣሉ እዩ ምስ በላ፤ ኣብውሽጢ ሓፂር ግዜ ብኣየር፣ ብኣቁሑ ምትንኻፍ፣ ብደምን ሰገራን ካብሰብ ናብ ሰብ ናይ ምምሕልላፍ ዓቅሚ ከም ዘለዎ ኣብሪሀን።

ናይቲ ሕማም ምልክት ቀሊል ሰዓል፣ ምሕፃር ስርዓተ ምትንፋስ፣ ኣፍንጫ ዘረብረብ፣ ድኻምን ቃንዛ ጎሮሮን ምዃኑ እውን ኣብሪሀን።

ክሳብ ሕዚ መድሓኒት ዘይተረኸበሉ ቫይረስ ኮሮና፥ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ህይወቶም ከምዝሓለፈን ማዕኸናት ዜና እናፀብፀባ ይርከባ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.