Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ኦብነግ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣመልኪቱ ዝቐረቡ ሰነዳት ብምምርማር ውሳነ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ ለ9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ኦጋዴን ብሔራዊ ነጻነት ግንባር (ኦብነግ) ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣመልኪቱ ዝቐረቡ ሰነዳት ብምምርማር ውሳነ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ብእኒ ኣይተ ራያል ሃሙድ ካብ 12 ክሳብ 15 ጥሪ 2013 ዓ.ም ተኻይዱ ዝተብሃለ ህፁፅ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ፓርቲ ብዛዕባ ምፅውዑ ዘርእይ ሰነድ ዘይቀረበ ከምዝኾነ ቦርድ ምርጫ ኣብ ውሳንኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ህፁፅ ኣኼባ ተረኺቦም ካብ መንጎ ዝተብሃሉ 47 እቶም 10 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ጥራሕ ብምዃኖም ብመሰረት እቲ መተሓዳደሪ ደንቢ ዓንቀፅ  11.2ን ዓንቀፅ 13.1 መሰረት መልኣተ ጉባኤ እንተይመልአ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብቲ ዕለት ዝተኻየደ ኣኼባ ዝመርሑን ናይቲ ፓርቲ “ምክትል ኣቦ መንበር” ከምዝኾኑ ዝተገለፁ ኣይተ ራያል ሃሙድ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ቦርድ ኣብ ዝርከብ ሰነድ እቲ ፓርቲ ዝፍለጡ ብኣባልነት ማእከላይ ኮሚቴ እንትኾን ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ አህመድ ያሲን ሼክ ኢብራሂም ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ዝፈፀምዎም ጉዳያት ኣብ መተሓዳደሪ እቲ ደንቢ ዓንቀፅ 33 መሠረት ብኮሚቴ ዲሲፕሊን ብዛዕባ ምርኣዩ ዝቐረበ ሰነድ ብዘይምንባሩ እቲ ቦርድ ገሊፁ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ 15 “ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ሽግግር” ን 3 ናይ ውሽጢ ኦዲትን ከምዝተመረፁ ምግላፁ እቲ ኣኼባ መልኣተ ጉባኤ እንተይተማልአ ዝተኻየደ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብመተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ፓርቲ ብዛዕባ “ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ሽግግር” ዝደንገጎ ከምዘየለ ኢዩ እቲ ቦርድ ኣብ ውሳንኡ ገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሄራዊ ጉባኤ ንክካየድ ዝተመሓላለፈ ውሳነ መልኣተ ጉባኤ እንተይተማልአ ዝተኻየደ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ምስ መተሓዳደሪ ደንቢ ዓንቀፅ 10.3 ን ዓንቀፅ 12.7 ዝፃረር ብምዃኑ፥ እቲ ቦርድ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ኣብ ህፁፅ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ተመሓላሊፎም ዝተብሃሉ ውሳነታት ብሙሉኦም ተቐባልነት ከምዘይብሎም ወሲኑ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ብኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቢሉ ብመሰረት ስነ ምግባር እቲ ፓርቲ ክሲ ቀሪቡ ብዲስፕሊን ኮሚቴ ድሕሪ ምግምጋሙን ምፅራዩን 22 ሰባት ንክባረሩ 7 ሰባት ን6 ኣዋርሕ ንክእገዱ ብዛዕባ ምውሳኑ ዝተገለፀ እቶም ዝተሓበሩ ዝተኸሰስሉ ጉዳይ ይኹን ሓፈሻዊ እቲ ከይዲ ዘርእይ ቃለ ጉባኤን ተመሳሳሊ ሰነዳትን ዘይቀረቡ ብምዃኖም እቲ ውሳነ ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል እቲ ቦርድ ምውሳኑ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.