Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ውፅኢታት ዝተረፉን ዳግምን ምርጫ የረጋገፅ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ማእከላዊ ኢትዮጵያን ናይ ዝተገበሩ ዝተረፉን ዳግምን ምርጫ ጊዚያዊ ውፅኢታት የረጋገፅ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽን እቲ ቦርድ ብሩክ ወንድወሰን፥ ኣብተን ማእከላት በግዚያዊነት ዕላዊ ዝተገበሩ ውፅኢታት ካብ ክልል መረፃ ናብ መረጋገፂ ማእኸላት ብምቕባል ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ማእኸል ኣብ ጣቢያታት ምርጫ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣብ ቅድሚ ሕድ ሕድ ኣፈፀምቲ ክልል ምርጫ ብምርካብ ናይ ምፅራይ ስራሕ ከምዝተጀመሩ ሓቢሩ።

ዝተመዝገበ ቀፅሪ ኣድማፂ፣ ድምፂ ዝሃበ፣ ዋጋ ኣልቦን ሓቅነት ደምርን ኣብቲ ማእኸል ናይ ምፅራይ ስራሕ ዝግበረሎም ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.