Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ናይ  መወዳእታ ውፅኢታት መረፃ ዕላዊ እናገበረ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናይ ኩሎም ክልላት መረፃ ውፅኢት መረፃ ክገልፅ ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት፥ ከይዲ ምድማር ብዘይምዝዛሙን ብፀገም ሕፅረት ትራንስፖርት ውፅኢት መረፃ ናብ ማእኸል ተጠቓሊሉ ብዘይምብፅሑን ከምዝርከቡዎ ኣካቢት እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝተፈላለዩ ስምዕታታት ምቕራቦም ስዒቡ ንምድንጓይ እቲ ምግላፅ ውፅኢት መረፃ ኢዩ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ኣርባዕተ ክልላት መረፃ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ክልላት መረፃ ውፅኢት መረፃ ምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ኣብሪሀን።

እቲ ቦርድ ናይ 73 ዝኾኑ ክልላት መረፃ ኣብ ዌብሳይቱ ዕላዊ ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

በኦሮሚያ ክልል ኔጌሌ የምርጫ ክልል ምርጫ እንዳይካሄድ ቢባልም ምርጫው ተካሂዶ ቦርዱ ተቀባይነት የለውም ብሎ ነበር

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክልል መረፃ ነጌሌ መረፃ ከይካየድ ተባሂሉ እናሃለወ መረፃ ብምክያዱ እቲ ቦርድ ተቐባልነት የብሉን ተባሂሉ ነይሩ።

ይኹ እምበር ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምድንጓዩ፣ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሰበኽ ሳግም ብምዃኑ፣ ሽመይ ኣይተኻተተን ኢሎም ዝነበሩ ውልቀ ሰብ ብፍቓዶም ዝተውሃበ ድምፂ ይተሓዝ ብምባሎም፣ ካብ 139 ጣቢያታት መረፃ 105 ዝኾኑ ድምፂ ስለዘሃቡ፣ ሕብረተሰብ ብዘለዎ ኣነባብራ ምኽንያት 1 ጳጉሜ ክርከቡ ስለዘይኽእሉ እቲ ዝተውሃበ ድምፂ ንኽተሓዝ፣ ድምፂ ኣብ ዘይተውሃበሎም ከባቢታት ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

አፈወርቅ እያዩና ምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.