Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ መመዝገቢ ናውቲ መረፃ ናብ ክልላት መረፃ ምክፍፋል ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቦርድ መረፃ መመዝገቢ ናውቲ መረፃ ናብ ክልላት መረፃ ምክፍፋል ምጅማሩ ገሊፁ።

እቲ ቦርድ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክልላት መረፃ ምዝገባ ዝግበረሎም ናውቲ ዝሓዙ ሰማያዊ ሳንዱቓት ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ናብ 49 ሺሕን 407 ጣቢያታት መረፃ ንሕድሕዶም ምዝገባ መረፅቲ ዝግበረሎም ናውቲ ዝሓዘ ሓደ ሰማያዊ ሳንዱቕ ንኽበፅ ምክፍፋል ተጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሳንዱቕ ትሽዓተ ዓይነት ናውቲ መተግበሪ ምዝገባ መረፅቲ ከምዝርከቡዎ ዝገለፀ እቲ ቦርድ፥ ካርዲ ምዝገባ መረፅቲ፣ ናውቲ መሳርሒታት ፅሕፈት፣ ኣብ እዋን መረፃ ዝቕመጡ ቅጥዒታት፣ መምርሒታት ፖስተራትን መከላኸሊ ኮቪድ-19 ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብብርኪ ሃገር ንዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሌን ዓፋርን ኣቑሑት መመዝገቢ መረፃ ተዳሊዮም ዘለዉ በቢቋንቆኦም እንትኾኑ፥ ዝተረፋ ክልላት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ከምዝተዳለወ ተሓቢሩ።

ሕድሕድ ምዝገባ መረፅቲ ዝግበረሉ ሰማያዊ ሳንዱቕ ኣብ ጣቢያታት መረፃ ክሳብ ዝበፅሕ፥ ምስጢሩ ዝተሓለወን ብሓይሊታት ፀፅታ ተዓጂቡ ከምዝጎዓዓዝን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.