Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃን ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ዋና ኣካቢት ቦርድ መረፃ ብርቱካን ሚደቅሳን ዋና ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ መብራቱ ኣለሙን ፈሪሞምዎ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ መጋት 2011 ዓ.ም ኣብ ሞንጎ ፓርቲታት ዝተፈረመ ዕላማ ሰነድ ቃል ኪዳን ንምዕዋት ንዝገብሮም ምንቅስቓሳት እቲ ቦርድ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ዝወሃቦ ሓገዝ በቲ ሰነድ ስምምዕነት ዝተውሃቦ ሓላፍነት መሰረት ገይሩ ንዝተዓለመሉ ሽቶ ከምዘውዐሎ ምርግጋፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.